Épisodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2026)
    Feb 19 2026
    ን ሎሚ 19 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛን ምስ’ዚ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ መሊሱልና ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጸሓይ (sunscreen) ኣብ ኣውስትራሊያ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ፕረዚደንት ትግራይ ናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ሰላማዊ ምላሽ ክረኽቡ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ግጭታት ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ገሊጹ። መንግስቲሶማሊላንድ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐረቦ መደረ ኮኒኑ። ኬንያ ኣብ ምርግጋጽ ምትሕብባር ሩባ ኣባይ ገለልተኛ ተራ ክትጻወት ከም እትደሊ ገሊጻ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መጠን ደሞዝ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣልባኔስ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክወጹን ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱን ንዝፍትኑ ንሓደ ካብቶም 34 ኣውስትራሊያዊያን ኣንስትን ቆልዑን ጉጅለ I-S ግዝያዊ ናይ መእገዲ ትእዛዝ ሂቡ ።
    Afficher plus Afficher moins
    56 min
  • “ሎሚ ብዙሓት ስድራ ቤት ካብ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ’ያ ተሰዲዳ፡ ናይ ምምላስ ዕድል ድማ ዝማህመነ’ዩ።” ፊልሞን ሓጎስ
    Feb 19 2026
    ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛን ምስ’ዚ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ መሊሱልና ኣሎ።
    Afficher plus Afficher moins
    41 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2026)
    Feb 19 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መጠን ደሞዝ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣልባኔስ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክወጹን ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱን ንዝፍትኑ ንሓደ ካብቶም 34 ኣውስትራሊያዊያን ኣንስትን ቆልዑን ጉጅለ I-S ግዝያዊ ናይ መእገዲ ትእዛዝ ሂቡ ። ኣብ ድሮ ሮመዳን ናብ ኣብ ሲድኒ ላኪምባ ዝርከብ መስጊድ ሳልሳይ መፈራርሒ ደብዳበ ብ 18 ለካቲት ተላኢኹ።
    Afficher plus Afficher moins
    9 min
  • ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። (ጸብጻብ)
    Feb 18 2026
    ፕረዚደንት ትግራይ ናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ሰላማዊ ምላሽ ክረኽቡ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ግጭታት ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ገሊጹ። መንግስቲሶማሊላንድ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐረቦ መደረ ኮኒኑ። ኬንያ ኣብ ምርግጋጽ ምትሕብባር ሩባ ኣባይ ገለልተኛ ተራ ክትጻወት ከም እትደሊ ገሊጻ።
    Afficher plus Afficher moins
    9 min
  • ኣብ ኣውስትራሊያ መጠን ሞት ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ምውሳኹ ንተጣበቕቲ የተሓሳስብ፡
    Feb 18 2026
    ኣብ ኣውስትራልያ ቝጽሪ ሓደጋ ብተሽከርከርቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ፣ እታ ሃገር መጠን ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ዝስዕብ ሞት ኣብ 2030 ብፍርቂ ከተጉድሎ ዝነበራ ሸቶኣ ትበጽሖ ከም ዘየላ ሓድሽ መጠንቀቕታ ይውሃብ ኣሎ ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ1300 ሰባት ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራልያ ተቐቲሎም እዮም ፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 2026 እውን ብዙሕ ምምሕያሽ ኣየርኣየን ። ብሰንኪ ሓደጋ ማኪና መዓልታዊ ስድራ ቤታት ኣብ ስቓይ እናነብራ ስለ ዝኸዳ ፡ መራሕቲ ኢንዱስትሪን ተጣበቕቲን ፡ ኣብ ጠባያት ዘወርትን ውሑስ ቅድታት ጽርግያን ንኽህሉ ፡ ህጹጽ ስጕምቲ ክውሰድ ይጽውዑ ኣለዉ ።
    Afficher plus Afficher moins
    9 min
  • ሓጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ለካቲት 2026)
    Feb 18 2026
    ** ዉሩይ መራሒ ተጣባቒ መሰላት ኣመሪካዊ ጀስ ጃክሰን ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ** መንግስቲ ፌደራል ነቶም ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱ ዝጽበዩ ዘለዉ ኣውስትራሊያውያን ኣንስቲን ቆልዑን ግብረሽበራውያን ተቓለስቲ ናብ ሃገሮም ንኸይምለሱ ዘለዎ ኣማራጺታት ይፍትሽ ኣሎ ። ** ኣብ መንጎ ል ኡኻት ዩክረይንን ሩስያን ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ዝርርብ ሰላም ፡ ኣብ ጀኔቫ ጀሚሩ ።
    Afficher plus Afficher moins
    5 min
  • Your guide to using sunscreen in Australia - ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጸሓይ (sunscreen) ኣብ ኣውስትራሊያ
    Feb 17 2026
    Australia’s sun can be harsh. And sunscreen is one key measure protecting us against harmful sun exposure. We asked three scientists about sunscreen facts, myths and choosing the right products. - ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ጸሓይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ። ምጥቃም መከላኸሊ ጸሓይ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መዐቀኒ ካብ ጐዳኢ ምቅላዕ ካብ ሃስያ ጸሓይ እዩ ። ንሰለስተ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ብዛዕባ መርትዖታት መከላኸሊ ጸሓይ ፡ ብዛዕባኡ ዝበሃል ጽውጽዋያት ከምኡ እውን ቅኑዕ ፍርያት ብዛዕባ ምምራጽ ሓቲትናዮም ኣለና።
    Afficher plus Afficher moins
    9 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ለካቲት 2026)
    Feb 16 2026
    ** ፖለቲከኛታት ካብ ተቓወምቲን መንግስትን ነቶም ካብ ሶርያ ዝምለሱ ኣውስትራሊያውያን ሓገዝ ከምዘይግበረሎም ይገልጹ ኣለዉ። ** ኢትዮጵያ ካብተን ቅልጡፍ ዕቤት ቱሪዝም ዘመዝግባ ዘለዋ ዓለም-ለኻዊት ተበጻሒት ሃገር ኮይና ከምዘላ ተፈሊጡ። ** ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ RSF ን ኢልፋሻር ኣዝተቖጻጸረሉ : 6,000 ሰላማውያን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ከምተቕትሉ ጸብጻብ ው.ሕ.ሃ. ገሊጹ።
    Afficher plus Afficher moins
    6 min