Couverture de SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

De : SBS
Écouter gratuitement

À propos de ce contenu audio

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።Copyright 2025, Special Broadcasting Services Politique et gouvernement Sciences sociales
Les membres Amazon Prime bénéficient automatiquement de 2 livres audio offerts chez Audible.

Vous êtes membre Amazon Prime ?

Bénéficiez automatiquement de 2 livres audio offerts.
Bonne écoute !
    Épisodes
    • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2026)
      Feb 19 2026
      ን ሎሚ 19 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛን ምስ’ዚ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ መሊሱልና ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጸሓይ (sunscreen) ኣብ ኣውስትራሊያ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ፕረዚደንት ትግራይ ናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ሰላማዊ ምላሽ ክረኽቡ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ግጭታት ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ገሊጹ። መንግስቲሶማሊላንድ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐረቦ መደረ ኮኒኑ። ኬንያ ኣብ ምርግጋጽ ምትሕብባር ሩባ ኣባይ ገለልተኛ ተራ ክትጻወት ከም እትደሊ ገሊጻ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መጠን ደሞዝ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣልባኔስ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክወጹን ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱን ንዝፍትኑ ንሓደ ካብቶም 34 ኣውስትራሊያዊያን ኣንስትን ቆልዑን ጉጅለ I-S ግዝያዊ ናይ መእገዲ ትእዛዝ ሂቡ ።
      Afficher plus Afficher moins
      56 min
    • “ሎሚ ብዙሓት ስድራ ቤት ካብ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ’ያ ተሰዲዳ፡ ናይ ምምላስ ዕድል ድማ ዝማህመነ’ዩ።” ፊልሞን ሓጎስ
      Feb 19 2026
      ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛን ምስ’ዚ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ መሊሱልና ኣሎ።
      Afficher plus Afficher moins
      41 min
    • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2026)
      Feb 19 2026
      ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መጠን ደሞዝ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣልባኔስ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክወጹን ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱን ንዝፍትኑ ንሓደ ካብቶም 34 ኣውስትራሊያዊያን ኣንስትን ቆልዑን ጉጅለ I-S ግዝያዊ ናይ መእገዲ ትእዛዝ ሂቡ ። ኣብ ድሮ ሮመዳን ናብ ኣብ ሲድኒ ላኪምባ ዝርከብ መስጊድ ሳልሳይ መፈራርሒ ደብዳበ ብ 18 ለካቲት ተላኢኹ።
      Afficher plus Afficher moins
      9 min
    Aucun commentaire pour le moment